BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ
ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ጥምረት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጽኑዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኢትዮጵያ ንኤርትራ፤ ንዓለወኛታት (ተቓወምቲ) ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ትድግፍን ኣብ ርእሲኡ ድማ ዶብ እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኣላ ብምባልን ትኸስስ ኣላ።
ቀጥታ, መራሕቲ ትግራይ: ን'ወራር' ሰራዊት ፌደራል ክንምክት ኢና ኢሎም፤ ኤርትራኸ እንታይ ኢላ?
ኤርትራ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምኽንያት ብምግባር ንእተቕርቦም ዘላ ዝንባለታት ነቒፋ። ከም ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ወደባት ከም ዘድልየን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጹ።
ቦርድ ሰላም ትራምፕ፡ መን ተጸንቢሩ - ስለ ምንታይከ ኣካታዒ ኰይኑ?
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝተመስረተ ቦርድ ሰላም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ሓሙስ ፈላማይ ወግዓዊ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዋሽንግተን ክእከብ እዩ።
ሜታ ተጠቀምቲ ወልፊ ብምትሓዝ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ ዙከርበርግ እንታይ ኢሉ?
እቲ ቢልዮነር፡ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ንምልላይ ዝቐልጠፈ ምዕባለ ዘይምምጽኡ "ኩሉ ግዜ" ከም ዘጣዕሶ ገሊጹ።
ንክንክን ቈርበት ገጽ ዝንገረና ሜላታት ማዕረ ክንደይ ቅኑዕ እዩ?
እዞም ሜላታት ቅኑዓት ክመስሉ እንከለዉ፡ ሓካይም ቆርበት ግን ብዙሓት ካብኣቶም ጌጋ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተወዓውዑን ዝበዝሕ ግዝያዊ ውጽኢት ዝህቡ ምዃኖምን ይዛረቡ
'ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓውደ ውግእ ሓይልታት ወጻኢ ክኸውን ኣይግባእን' - ኤርዶጋን
እቲ፡ ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከቕንዕ መደብ ዝነበሮ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ እቲ ናይ ሰኑይ ናይ ኢማራት መገሻኡ ተሰሪዙ እዩ።
'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብሊብያ ዝሓልፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ጾታዊ ንግድን ምስርጣይ ይዀኑ ከም ዘለው ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ሓበሬታ ዓለም ኣብ ሰማያት ክኽዘን ይክኣልዶ ይኸውን?
እዚ ኣብ ሰማያት ክፍጠር ዝሕሰብ ዘሎ ደበና ብሓበሬታ ዘቕቢቡ ክሃርም እንተኽኢሉ፡ ካልእ ደረጃ ሰውራ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ከይኮነ ኣይክተርፍን'ዩ።
ዩክረይን፡ ስለምንታይ ተባዕታዊ ዘርኢ ወተሃደራታ ክትዕቅብ ትደሊ ኣላ?
ብመንግስቲ ዝመሓደር ማእከል ሕክምና ተፈጥሮ ኪቭ፡ ካብ ጥሪ ኣትሒዙ ዘርኢ ደቂ-ተባዕትዮ ክቕበል ጀሚሩ።
ካብ ምዝንጋዕ ናብ ቢልዮነር፡ እቲ ንሰርከስ ዳግማይ ዝመሃዘ ሓዊ ዘስተንፍስ ተዋዛዪ
ጋይ ላሊበርተ፡ ኣብ ውሽጢ 120 ኣዝማድ ዘለዋ ጫውጫው ዝበዝሓ፡ ን48 ሰዓታት፡ ሙዚቃ፡ ጸወታ ካርድን ዕግርግርን ዝተመልኦም ኣብ ዝድገሰላ ስድራቤት እዩ ዓብዩ።
ድሌት ጾታዊ ርክብ ከማሓይሽ ዝኽእል ሓቀኛ ፈውሲ ኣሎ ድዩ?
እናዳኸመ ንዝመፅአ ድሌት ፆታዊ ርክብ ፍታሕ ተረኺቡ ድዩ?
ኢትዮጵያ፡ ግብፂ፡ ብራዚል. . . ብዓለምለኻውያን በፃሕቲ ዝተመረጻሉ ምስጢር እንታይ'ዩ?
ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ምንቕቓሕ የርኢ ኣሎ። ኣብ 2025 (ኣ.ኤ) 1.5 ቢልየን በፃሕቲ ዓዲ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዞም። ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዝርዝር እዘን ሃገራት ተኻቲታ ኣላ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, "ቅድሚ ጕያ ኵዕሶ እየ ጀሚረ" - ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡
ቪድዮ, ፍቕርን ምሕዝነትን ኢራንን ኣመሪካን ዘፍረሰ እንታይ'ዩ?
ኣመሪካን ኢራንን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ተቐናቐንቲ እኳ እንተነበራ፡ ቅድሚኡ ግን መሓዙት እየን ነይረን። ኣብዚ ቪድዮ፡ ገለ ካብቶም ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክፈርስ ዝገበሩ ወሰንቲ ፍጻመታት ዳህሲስና ኣለና። ምፍርራሕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካበይ ከም ዝነቅል ንምርዳእ ክሕግዘኩም እዩ።
ቪድዮ, መራሒ ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮ፡ ብኸመይ'ዩ ተታሒዙ?
ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮን በዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ብሰኑይ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገበነኛታት ከም ዘይኮኑ ተማጒቶም። ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ማዱሮ ሕጂ'ዉን መራሒ ቬንዙዌላ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብመገዲ ተርጓሚ "ኣነ ንጹህ እየ። ገበነኛ ኣይኰንኩን። ጭዋ ሰብ እየ፡ ፕረዚደንት ሃገረይ እየ፡" ኢሉ። ሰብኣይን ሰበይትን ግን ብኸመይ'ዮም ተታሒዞም?
ትንታነ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓቢ ዘሎ ጻዕሪ ሽምግልና ቱርክን ዝገጠምዎ ብድሆታትን
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ፕረዚደንታ ናብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ቱርኪ፡ ኣብ ወሰንቲ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ጐሊሑ ዝረአ ግደ እናተጻወተት ትመጽእ ኣላ። እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ቅልውላዋት ብምሽምጋል ሽማ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ይለዓል'ዩ። ቱርኪ ኣብቶም ልዑል ተራ ዝተጻወተትሎም መዳያት እንታይ ኣመዝጊባ? እንታይ ጸገማትከ ገጢምዋ?
ኣካል እቲ መኣዲ ዶ ዝርዝር ጥራይ? ምስ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም ትቃለስ ዘላ ኣፍሪቃ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክቀያየር ምኽንያት ኰይኑ እዩ፤ ኣፍሪቃ ኣበየናይ ጸግዒ ደው ኢላ ክትሰርሕ ትኸውን?
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
እዚ ቢልዮኔር ንቻይና ፈቲኑዋ - ናጽነቱ ግን ስኢኑ
ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ላይ፡ "ኵሉ" ንዝሃበቶ ከተማ ሆንግ ኮንግ ዕዳ ከም ዘለዎ ወትሩ ይዛረብ።
'ኣእምሮ ትራምፕ'፡ እቲ ንኣዝዮም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ዝመርሕ ሓጋዚ መን'ዩ?
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ 2026 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዎ ስራሕቲ ብዝለዓለ ፍጥነት ብምጅማር፡ ሓደ ካብቶም ሓያላት ኣካላቱ ምዃኑ ዘለዎ መርገጺ ኣደልዲሉ። ንብዙሓት ፖለቲከኛተት ጸጋም ግን፡ እዚ ሰብ ዕሱብ እዩ።
እቲ ሕሱር መሓዛ ሓያላት፡ ጀፍሪ ኤፕስተይን መን'ዩ?
ኣብ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤፕስተይን፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብታ ከተማ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ዳልተን ሕሳብን ፊዚክስን ይምህር ነይሩ። ደሓር ግን ኣብ ዕሙር ጾታዊ ንግዲ ትሕቲ-ዕድመ ቈልዑ ዝተዋፈረ - ክሳብ ገበነኛ ኰይኑ። ካልእ ብዛዕባኡ ዝበሃል'ውን ብዙሕ እዩ፣ እዚ ሰብ ግን መን'ዩ?
ትግራይ፡ ኣጋንእ መዐደሊ ነዳዲ ጥርሖም ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ኣሎ። ናይዚ ሓደ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ካብ ፌደራል ክስደድ ዝግብኦ ቐረብ ብዘይምምልኡ ከም ዝዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ኣመሪካ፡ ምስተን ምስ ሩስያ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝምድና ጀሚራ ድያ?
ኣመሪካ ምምላስ ዲሞክራሲ ድሕሪ ሕጂ ቀዳምነት ከም ዘይወሃቦን ምስ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃናን ትሕብር።
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውስድ እትኽእል ስራሕ'ያ።
ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ሓደ ውዳበ ምጥርናፎም እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ኣብ እዋን ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ጸኒሖም'ዮም። ሕጂ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውዳበ ከም ዝተኣኻኸቡ ይገልጹ ኣለው።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጋጊሙ ዘልዕሎ 'ዝሑል ኲናት' እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ይዅን ወግዓዊ መደረታት፡ ንዝሑል ኲናት መእተዊ ክገብር፣ ወይ ንህሉው ዓለማዊ ይዅን ዞባዊ ፖለቲካዊ ዳይናሚክስ ኣተኣሳሲሩ ክዛረብ ብቐጻሊ እዩ ዝስማዕ። እዚ ዝሑል ኲናት ግን እንታይ እዩ? ብዛዕባኡኸ ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጥ?
ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ብቕዳሕ ዝበፅሓ ደብዳበ ትራምፕ፡ እንታይ ዝብል እዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 8 ጥሪ 2018 [ግ]፡ ትራምፕ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "ብመንፈስ ውልቃዊ ምሕዝነትናን ኣመሪካ ንሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ግብፂ ዘለዋ ተወፋይነትን" ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ፡ ልዝብ ንምጅማር ከምዝደሊ ገሊፁ ኣሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
'ኣብ ሆቴል ጾታዊ ርክብ ፈጺምና፡ ብድሕሪኡ ብሕቡእ ካሜራ ናብ ኣሽሓት ከም ዝተዘርግሐ ፈሊጥና'
ኣብቲ ቪድዮ ዝነበሩ ጓልን ወድን - ናብ ክፍሊ ክኣትዉ፡ ቦርሳታቶም ከቐምጡን ጸኒሖም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙን ተመልከተ። እቶም መጻምድቲ ድማ ንሱን ኣፍቃሪቱን ነበሩ።
ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣካላት ደቀንስትዮ ብሕቡእ ብምቕዳሕ ዝኸስቡ ዘለው ደቂ ተባዕትዮ
ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሸት ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ንዝወጽኣ ደቀንስትዮ ብሕቡእ ቪድዮ ብምስኣል ነቲ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብምልጣፍ ገንዘብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ትግራይ፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብወሓስ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ
ቢሮ ሰላምን ፀጠረታን ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ "ቅድም ክብል ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ጉዕሽ ገብረ ካብዙይ ንደሓር ዘሎ ከይዲ ኣብ ደገ ኮይኑ ክከታተል ብዋሕስ ተፈቲሑ 'ሎ" ክብል ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ገፁ ንህዝቢ ኣፍሊጡ::
'ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ጐንጺ ክፍጠር ኣይነበሮን'- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
እቲ ረጽሚ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታታት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሓደ ምንጪ ድሕነት፡ "እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ይጠቕሱ።
ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ቢቢሲ ኣብ ዙርያ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዳህሳስ ብምግባር፡ ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ።
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ የገድድዎም ነይሮም። ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።
ስለምንታይ'ዩ ናብ ወርቂ 'ጉያ ጉያ' ዀይኑ ዘሎ?
ዋጋ ወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ኦውንስ ልዕሊ 5000 ዶላር ኰይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ 2025 ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 60 % ክብ ክብል ዝተራእየሉ ታሪኻዊ ምዕባለ ምዃኑ ድማ የዛርብ ኣሎ።
ወጻእተኛታት ኣብ ሩስያ ንኽዋግኡ ብኸመይ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ 'ይታለሉ' ነይሮም?
ፖሊና ጓል 40 ዓመት መምህር ነበር ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንኽጽንበሩ ንምስሓብ፡ ቻነል ቴሌግራም ተጠቒማ ከም እትምልምል፡ መርመራ ቢቢሲ ኣይ የመልክት።
ሶማልያ፡ ንምንታይ'ያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቘጢዓ?
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ ኣብ ዘስምዖ ቃል "ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጽቡቕ ርክብ'ዩ ጸኒሑና፣ እንተዀነ ንዓና ከም ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትቀርበና ኣይክኣለትን፤ ጥንቃቐ ዝመልኦ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፡ ነዚ ውሳነ'ዚ ክንወስድ ተገዲድና ኣለና" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግባኣ ብምምጓት፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልዑላውነትን ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

